eBook Bible For Computer

eBook Bible For Kindle

eBook Bible For Mobile

eBook Bible For Computer

eBook Bible For Kindle

eBook Bible For Mobile

  እቲ እተነግረልኩም ቃል ብስራት እዚ እዩ።

  ብህያውን ንዘለኣለም ብዚነብር ቃል ኣምላኽ ካብ ዘይጠፍእ ዘርኢ እምበር ካብ ጠፋኢ ዘርኢ ኣይኰንኩምን ከም 

ብሓድሽ እተወለድኩም፡ ንሓቂ እናተኣዘዝኩምዋ፡ ግብዝና  ንዜብላ ፍቕሪ ኣሕዋት ንነፍስኹም ኣጽርዩ፡ 

ብንጹህ ልቢ ንሓድሕድኩም ብሓቂ ተፋቐሩ፡ኵሉ ስጋ ኸም ሳዕሪ ኵሉ ኽብሩውን ከም ዕምባባ ሳዕሪ እዩ። 

እቲ ሳዕሪ ይነቅጽ እቲ ዕምባባውን ይረግፍ  ቃል እግዚኣብሄር ግና ንዘለኣለም ይነብር። እቲ እተነግረልኩም 

ቃል ብስራት እዚ እዩ።

                                                                            1ይ ጴጥሮስ 1፡22-25 

                                               
                                                                                                             

 ብህያውን ንዘለኣለም ብዚነብር ቃል ኣምላኽ  ካብ ዘይጠፍእ ዘርኢ እምበር ካብ ጠፋኢ 

 ዘርኢ ኣይኰንኩምን ከም ብሓድሽ እተወለድኩ፣ ንሓቂ እናተኣዘዝኩምዋ ግብዝና ንዜብላ 

ፍቕሪ ኣሕዋት ንነፍስኹም ኣጽርዩ  ብንጹህ ልቢ ንሓድሕድኩም  ብሓቂ  ተፋቐሩ ኵሉ

 ስጋ ኸም ሳዕሪ ኵሉ ኽብሩውን  ከም ዕምባባ ሳዕሪ እዩ።እቲ ሳዕሪ  ይነቅጽ እቲ  ዕምባባውን

 ይረግፍ  ቃል እግዚኣብሄር ግና ንዘለኣለም ይነብር። እቲ እተነግረልኩም ቃል ብስራት እዚ እዩ።

                                                                 1ይ ጴጥሮስ 1፡22-25 

                                               
                                                                                                             

 ብህያውን ንዘለኣለም ብዚነብር ቃል ኣምላኽ 

 ካብ ዘይጠፍእ ዘርኢ እምበር ካብ ጠፋኢ 

 ዘርኢ ኣይኰንኩምን ከም ብሓድሽ እተወለድኩ፣

ንሓቂ እናተኣዘዝኩምዋ ግብዝና ንዜብላ ፍቕሪ ኣሕዋት 

ንነፍስኹም ኣጽርዩ  ብንጹህ ልቢ ንሓድሕድኩም 

ብሓቂ  ተፋቐሩ ኵሉ ስጋ ኸም ሳዕሪ ኵሉ ኽብሩውን 

ከም ዕምባባ ሳዕሪ እዩ። እቲ ሳዕሪ  ይነቅጽ እቲ 

ዕምባባውን ይረግፍ  ቃል እግዚኣብሄር ግና ንዘለኣለም 

ይነብር። እቲ እተነግረልኩም ቃል ብስራት እዚ እዩ።

                    1ይ ጴጥሮስ 1፡22-25 

                                               
                                                                                                             
ኣጠቓቕማ መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ
ኤለክትሮኒክ መጽሓፍ ቅዱስ
Tigrigna Bible for eBook readers
መእተውን  ሓበረታን
 

መጀመርያ ነዚ ዕዮ ጀሚርና ክሳዕ ንውድእ ዝረድኣና እግዚኣብሄር ኣምላኽ ክብርን ምስጋናን ንህብ። ብምቕጻል ድማ ኣብ  ምድላው እዚ ኤለክትሮኒካዊ መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ፡ ብኹሉ መዳይ ኣበርክቶ ዝገበሩ፡ ኣብ ስቶክሆልም፡ ስዊድን ዝነብሩ ኣሕዋት፡ ነቲ ክቡር ግዜኦም ወፍዮም ዝገበሩዎ ኣበርክቶ እናኣመስገንና፡ ዕዮኦም ኣብ መፈጸምታ በጺሑ ብዙሓት ተጠቀምቲ ውጽኢት ድኻሞም ስለዝኾኑ ድማ ባህ ይበልኩም ንብል።
መንበቢ  ኤለክትሮኒካዊ መጽሓፍ  (E-book readers)፥ ከም ኪንድል (kindle) ኮቦ (kobo) ወዘተ ዝኣመሰላ መጽሓፍቲ ንምንባብ ጥራይ ከገልግላ ተባሂለን ዝተሰርሓ፡ ካብ ኣማዞን (Amazon) ኮነ ካልኦት ኤለክ. መጻሕፍቲ ዝሸጡ መርበባት (websites)  ብቐሊሉ መጻሕፍቲ  ኣውሪድካ ከተንብበለን ትኽእል ምቹኣት ናውቲ እየን። ካብ ግዜ ናብ ግዜ ተጠቓሚ እዘን መንበቢ ኤለክ. መጽሓፍ ኣዝዩ እናበዝሐ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ’ውን ነቶም ተጠቀምቲ እዘን ናውቲ ድሉው ኮይኑ ኣሎ። እዚ ኤለክ. መጽሓፍ ቅዱስ፡ ካብ ሓደ ገጽ ናብቲ ኻልእ ገጽ፡ ካብ ሓደ ምዕራፍ ናብ  ካልእ ምዕራፍ፡ ካብ ሓደ መጽሓፍ ናብ ካልእ መጽሓፍ ወዘተ ብቐሊሉ ንምስጋር ወይ ንምዝላል ብዝጥዕም ኣገባብ ተዳልዩ ቀሪቡ ኣሎ። ነዚ ዝምልከት ሓበሬታ ‘’ኣገባብ ኣጠቓቕማ’’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ንኡስ ኣርእስቲ ተመልከቱ።

ዕላማ፡

እዚ ኤለክ. መጽሓፍ ቅዱስ ዝተዳለወሉ ምኽንያት፡ መጀመርያ ኣብ መእተዊ ከምዝገለጽናዮ፡ነቶም መንበቢ ኤለክ. መጽሓፍቲ ዝጥቀሙ ሰባት መጽሕፍ ቅዱስ ትግርኛ’ውን ከም ኩሉ መጻሕፍቲ ድሉው ከኸውን እዩ። እቲ ኻላኣይ መኽንያት ድማ፡ ኣብ ሞባይል ተለፎን ይኹን ካልኦት ኤለክትሮኒካዊ ናውቲ ዘለዉ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ ኣፕሊኬሽንስ (Apps)፡ነቲ ሓደ መጽሓፍ ክሕዞ ዝግበኦ ኣቃውማ ሓዲጎም ንስርሖም ዝጥዕም ቅርጺ ስለዘትሓዝዎ፡ እቲ ንሓደ ጥሙር ሓሳብ እቲ ጽሑፍ ንኽትርዳእ ኣዝዩ ሓጋዚዝኾነ ሕጥቦጽሑፋዊ ኣቃውማ ኣፍሪሶሞ እዮም። ማለት፡ ኩሎም ፍቕድታት ናይ ሓደ መጽሓፍ ኣብ ሓድሽ መስመር ከም ዝጅምር ጌሮሞ። ኣብዚ ኤለክ. መጽሓፍ ግን እቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዉ ሕጥቦ ጽሑፋት ከም ዘለዉዎ ቆይሞም ኣለዉ።እዚ ድማ ንትሕዝቶ ሓደ ጽሑፍ ጥሙር መልእኽቱን ሓሳብ እቲ ጸሓፍን ንምርዳእ ኣዝዩ ኣድላዪ እዩ ኢልና ንኣምን። ብሓጺሩ፡መጽሓፍ ከነንብብ ከሎና እቲ ኣብ ናይ ወረቕት መጽሓፍ ቅዱስና ዘሎ ሕጥቦ ጽሑፋዊ ኣቃውማ ዘለዎ ኣማራጺ ክህልው ምግባርሓደ ካብ ዕላማታት ምድላው እዚ ኤለክ. መጽሓፍ ቅዱስ እዩ።

 

ሓበሬታ፡
 

መጀመርያ እዚ ኤለክ. መጽሓፍ ቅዱስ፡ ከም ኩሉ ኻልእ ኤለክ. መጻሕፍቲ (Ebooks)፡ኣብ ኮምፕዩተርና ይኹን ኣብ ካልኦት ኤለክትሮኒክ ናውቲ (ኣቅሑ) ኣውሪድና ንጥቀመሉ መጽሓፍ እምበር ኣፕሊኬሽን (App) ከምዘይኮነ ክንርዳእ ይግባእ። ስለዚ ሓድሽ ሕታም ማለት መአረምታን ምትዕርራያትን ዝተገብረሉ ሓድሽ ሕታም እንተወጺኡ ከምብሓድሽ ኣውሪድካ ትጥቀመሉ እምበር ብቐጥታ(online update) ከተሐድሶ ኣይከኣልን እዩ።

 

ኣገባብ  ኣጠቓቕማ
 

እዚ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብተን መንበቢ  ኤለክትሮኒካዊ መጽሓፍ  (E-book readers)፥ ንኽንበብ ዝሕግዝ EPUB format ዘለዎ ፋይል(file) እዩ። ስለዚ ኣብ ከም ኮምፒዩተር፡ ሞባይል ወዘተ. ብዝያዳ ድማ ኣብተን ንመንበቢ መጻሕፍቲ ዝተሰርሓ ኣቕሑ ብቐሊሉ፡ ሓደ መጽሓፍ ኣብ ኢድካ ሒዝካ ከም ተንብብ ዘለኻ ኮዩኑ ንኸተንብብ ዝተዳለወ እዩ።
ብፍላይ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብዝምልከት ግን፡ ካብ ብሉይ ናብ ሓዲሽ ኪዳን ወይ ድማ ብኣንጻሩ፡ ካብ ሓደ መጽሓፍ ናብ ካልእ፡ ካብ ምዕራፍ ናብ ምዕራፍ፡ ወዘተ ብቕልጡፍ ኣገባብ ንምሕላፍ (to navigate) ብዘኽእል መልክዑ ክዳሎ ስለዘለዎ፡ ብዙሕ ገጻት ምግንጻል ከየድለየናብ ዝደለኻዮ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ንምብጻሕ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክፍሊ እቲ መጽሓፍ፡ መስገሪ (link) ተገይሩሉ ኣሎ። ነዚ ዝምልከት ዝርዝር መብርሂ ቀጺሉ ቀሪቡ ኣሎ።
ኣብቲ ቀዳማይ ገጽ ናይዚ መጽሓፍ፡ ብሉይ ኪዳን ፥ ሓድሽ ኪዳን ዝብል ኣሎ።ብሉይ ኪዳን  ናብ ዝርዝር መጻሕፍቲ ብሉይ ኪዳን ይወስደና። ሓድሽ ኪዳን  ናብ ዝርዝር መጻሕፍቲ ሓድሽኪዳን ይወስደና። ኣብ ፈለማ ገጽ ብሉይ ኪዳን ድማ፡ ናብ ሓድሽ ኪዳን ዝብል ንረክብ። እዚ ውን ናብ ዝርዝር መጻሕፍቲ ሓድሽ ኪዳን ይወስደና። ኣብ ፈላማይ ገጽ ሓድሽ ኪዳን ድማ ኸምኡ፡ ናብ ብሉይ ኪዳን ዝብል ንረክብ። ናብ ዝርዝር መጻሕፍቲ ብሉይ ኪዳን ይወስደና። ኣብ መጀመርያ ብሉይ ኪዳን ዘለዉ ዝርዝር መጻሕፍቲ ብምትንካይ ቀጥታ ናብቲመጽሓፍ ይወስደና። ኣብ መጀመርያ ሓድሽ ኪዳን ዘለዉ ዝርዝር መጻሕፍቲ ብምትንካይ ቀጥታ ናብቲ መጽሓፍ ይወስደና። ኣብ ትሕቲ ነፍሲ ወከፍ መጽሓፍ፡ ንነፍሲወከፍ ምዕራፍ ዝውክል ኣሃዝተዘርዚሩ ኣሎ። ናብ ዝደለኻዮ ምዕራፍ ንምኻድ ኣብታ ዝደለኻያ ቁጽሪ ተንኪ።

ኣብነት፡–
ኦሪት ዘዳግም


1  2  3  4  5  6  7  8  9  10  11  12
13  14  15  16  17  18  19  20  21  22
23  24  25  26  27  28  29  30
31  32  34

 

 

 

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ምዕራፋት ብ/ኪ ሓኪ ዝ/ምዕ ዝብል ንረክብ።ብ/ኪ (ብሉይ ኪዳን ማለት እዩ)፡ ናብ ዝርዝር መጻሕፍቲ ብሉይ ኪዳን  ይወስደና። ሓ/ኪ (ሓድሽ ኪዳን ማለት እዩ)፡ ናብ ዝርዝር መጻሕፍቲ ሓድሽ ኪዳን ይወስደና። ዝ/ምዕ (ዝርዝር ምዕራፋት ማለት እዩ)፡ ኣብታ  ዘለናያ መጽሓፍ ናብ ዘለዉ ምዕራፋት ይወስደና።መዝሙር ዳዊት ካብ ካልኦት መጻሕፍቲ ፍልይ ብዝበለ ኣገባብ ሰሪሕናዮ ኣለና።መዝሙር ዳዊት ኣብ ሓሙሽተ መጻሕፍቲ ዝተኸፍለ እዩ። ስለዚ ብኸምዚ ዝስዕብ ኣቐሚጥናዮ ኣሎና። ንኣብነት ኣብ መጀመርታ

 

ንኣብነት ኣብ መጀመርታ

መዝሙር ዳዊት
ቀዳማይ መጽሓፍ
1  2  3  4  5  6  7  8  9  

10  11 12 13  14  15  16  

17  18  19  20  21  22 23  

24  25  26  27  28  29  30  

31  32 34  35  36  37  

38  39  40  41

ናብ ካልኣይ መጽሓፍ፥ 42 — 72
ናብ ሳልሳይ መጽሓፍ፥ 73 — 89
ናብ ራብዓይ መጽሓፍ፥ 90 — 106
ናብ ሓምሳይ መጽሓፍ፥ 107 — 150

ኣብ ላዕሊ ከምዝረኣናዮ፡ ኣብቲ ቀዳማይ ገጽ ቀዳማይ መጽሓፍ ምስ መዝሙራቱ (1 — 41) ተዘርዚሩ ኣሎ። ነፍሲ ወከፍ ቁጽሪ(ኣሃዝ) ናብ ናታ መዝሙር ትወስደካ ንኣብነት፡ ቁ. 23 እንተ ተንኪና ናብ መዝሙር 23 ትወስደና ማለት እዩ።
ኣብ ትሕቲ እተን ቁጽርታት ዘሎ፡ ንኣብነት ናብ ካልኣይ መጽሓፍ 42 — 72 ፡ ናብ ሳልሳይ መጽሓፍ 73 — 89 ወዘተ. . . ዝብል ኣሎ። እዚኣቶም ድማ ምስተንከኻዮም፡ ናብተን ዝውክሉወን መጻሕፍቲ ዝወስዱ መስገሪ (links) እዮም። ኣብ ጎኒ ነፍሲ ወከፎም ድማ ካብ ኣየናይ መዝሙር ክሳዕ ኣየናይ መዝሙር ዝሓቖፈ ምዃኑ ይሕብር። እዚ ድማ እቲ ከተንብቦ ደሊኻ ዘለኻ መዝሙር ኣበየናይ መጽሓፍ ከምዘሎ ንምፍላጥ ክቐልል ተባሂሉ እተገብረ እዩ።
ኣብ መጀመርያ ነፍሲወከፍ መዝሙር ድማ “ዝ/መዛ ብ/ኪ ሓ/ኪ” ዝብል ኣሎ።ዝ/መዛ (ዝርዝር መዛሙር ማለት እዩ) ናብ መጀመርያ ናይታ ሒዝናያ ዘለና ናይ መዝሙር ዳዊት መጽሓፍ ይወስደና።ብ/ኪ (ብሉይ ኪዳን ማለት እዩ) ናብ ዝርዝር መጻሕፍቲ ብሉይ ኪዳን ይወስደና። ሓ/ኪ (ሓድሽ ኪዳን ማለት እዩ) ናብ ዝርዝር መጻሕፍቲ ሓድሽ ኪዳን ይወስደና።

 

 

መአረምታን(ኣርትዖ) ምትዕርራያትን
 

እዚ መጽሓፍ ብኮምፒዩተር ኣብ ዝተጻሕፈሉ እዋን ዝተገብሩ ጌጋታት፡ ምርሳዕ ቃላት ወይ ሓረጋት ወዘተ፡ ንምእራም፡ ኣብ ወረቐት ፕሪንት ተገይሩ፡ ምስ መጽሓፍ ቅዱስ እናኣረኣኣዩ ዘንብቡን ዝረኸቡዎ ጉድለታት ኣብቲ ወረቐት ብምምልካት ንእርማት ዘዳልዉን ኣሕዋት፡ እዚ መጽሓፍ ብዝተኻእለ መጠን ጽፈቱ ዝሓለወ ክኸውን ኣብ ምግባር ዓብዪ ተራ ነይሩዎም። እዚ ማለት ግን፡ ደጊም ፍጹም ጉድለት ዘይብሉ ዕዮ እዩ ማለትኣይኮነን። ስለዚ ተጠቀምቲ እዚ መጽሓፍ፡ ኣብዘንብቡሉ እዋን ዝኾነ ጉድለት ምስዝረኽቡሉ ንኽሕብሩና እሞ ኽንእርሞ ኽንክእል ኣብ ታሕቲ ኣድራሻና ኣቀሚጥና ኣሎና።

About Us/ ብዛዕባና

እዚ መርበብ ሓበሬታ ብግዱሳት ኣመንቲ ክርስትና
መጽሓፍ ቅዱስን ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ዝተተሓሓዘ
ሓበሬታን ኣስተምህሮታትንን ብቛንቋ ትግርኛ ንኹሉ ግዱስ ከመሓላልፍ ዝተዳለወ እዩ።

Contact Us/ ንርእይቶን ሓበሬታን

Website https://qalbisrat.com/
E-mail qal.bisrat@gmail.com
Facebook page ቃል ብስራት
facebook acount qal bisrat
Youtube Qalbisrat
Tel. +46704382707
Tel. +46700174940

Let’s talk 👋 Don’t hesitate to reach out with the contact information below, or send a message using the form.



About Us/ ብዛዕባና

እዚ መርበብ ሓበሬታ ብግዱሳት ኣመንቲ ክርስትና መጽሓፍ ቅዱስን ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ዝተተሓሓዘ ሓበሬታን ኣስተምህሮታትንን ብቛንቋ ትግርኛ ንኹሉ ግዱስ ከመሓላልፍ ዝተዳለወ እዩ።

Contact Us/ ንርእይቶን ሓበሬታን

Website www.qalbisrat.com E-mail qal.bisrat@gmail.com Facebook page ቃል ብስራት facebook acount qal bisrat Youtube Qalbisrat Tel. +46704382707 Tel. +46700174940

መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ
ብሉይን ሓድሽን ኪዳን
ብሉይ ኪዳን
ሓድሽ ኪዳን
መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ
ብሉይን ሓድሽን ኪዳን

ብሉይ ኪዳን

ሓድሽ ኪዳን